Connect with us

ፖለቲካ

“ኣብ ጉባኤ ኣይንሳተፍን” 14 ኣባላት ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት

Kulu Media

Published

on

ፕሬዝዳንት ጌታቸው ረዳ ሓዊሱ 14 ኣባላት ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ኣብ ጉባኤ ከምዘይሳተፉ ገሊጾም።

ህወሓት ንምፍራስ ኣብ ዝካየድ ጉባኤ ኣይንሳተፍን ክብሉ ዝገለጹ እቶም ኣባላት ማእኸላይ ኮሚቴ ኣብዚ ሐዚ ጊዜ ጉባኤ ምክያድ ንውድብ ህወሓትን ንህዝቢ ትግራይን ካብ ዘለዎ ረብሓ ጉድኣቱ የመዝን እዩ ኢሎም ኣለው።

እቶም ኣባላት ማእኸሉ ቤት ጽሕፈት ህወሓት ዝገበረ ጉጅለ ምስ ማእኸላይ ኮሚቴ ከይተረዳድአ፣ ምስ ማእኸላይ ቁፅፅር ኮሚሽን እቲ ውድብ ሰፊሕ ኣፈላላይ እናሃለዎ፣ ክብ ኣሰራርሓ ውድብ ወጻኢ ኣሰናዳዊት ኮሚቴ ኣፍሪሱ ንባዕሉ ኣሰናዳዊ ኣብ ዝገበረሉ ፣ብዙሕ ካድረ ብግልፂ እናተቓወሞ፣ ብዙሓት ከባቢታት ብትሪ እናተቓወሙዎ፣ ምስ ቦርድ መረፃ ከይተረዳድአ ኣብ ዝካየድ ጉባኤ ኣይንሳተፍን ብምባል እዩ ዓርሶም ዘግለሉ።

እቶም ዓርሶም ከምዘግለሉ ዝገለፁ ኣባላት ማእኸላይ ኮሚቴ ድማ እዞም ዝስዕቡ እዮም

  1. ጌታቸው ረዳ
  2. በየነ መክሩ
  3. ክንደያ ገብረይወት
  4. ሓጎስ ጎድፋይ
  5. ሰብለ ካሕሳይ
  6. ብርሃነ ገብረየሱስ
  7. ሰለሞን መዓሾ
  8. ሺሻይ መረሳ
  9. ሃፍቱ ኪሮስ
  10. ረዳኢ ሓለፎም
  11. ነጋ ኣሰፋ
  12. ገ/ህይወት ገ/ሄር
  13. ሩፋኤል ሽፋረ
  14. ርስቁ ኣለማው

ፍልፍል፡ ደስየ ኣሸናፊ ፌስቡክ ገፅ


Discover more from Kulu Media ኩሉ ሚድያ

Subscribe to get the latest posts sent to your email.

Discover more from Kulu Media ኩሉ ሚድያ

Subscribe now to keep reading and get access to the full archive.

Continue reading