News
ጀነራል ሳሞራ የኑስ፡ “ህዝቢ ትግራይ ብዝመረፆ መንግስቲ ክመሓደር ኣለዎ” ክብሉ ኣተሓሳሲቦም

ሰደቓ ትሕዝቶ
ነበር ኢታማዦር ሹም ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ጀነራል ሳሞራ የኑስ ምስ ጋዜጣ ወጋሕታ ኣብ ዝገበርዎ ፃንሒት፤ ኣብ ትግራይ ዘሎ ‘ጊዚያዊ’ እናተባህለ ዝፅውዕ ምምሕዳር ጠጠው ክብል ከምዘለዎን ህዝቢ ትግራይ ብዝመረፆ ሕጋዊ መንግስቲ ክመሓደር ከምዝግባእ ገሊፆም።
ጀነራል ሳሞራ የኑስ ኣብ መብርሂኦም፤ ህዝቢ ትግራይ መሰል ምርጫኡ ተረጋጊፁ ብዝመረፆ መራሒ ክመሓደር እምበር፤ “ጊዚያዊ መንግስቲ” እናተባህለ ክቕፅል ከምዘይብሉ ኣስሚሮምሉ። “እዚ ክኸውን እንተኾይኑ ድማ ህዝቢ መሪፁ፣ ብዝመረፆ ኣመሓዳሪ ክምራሕ ኣለዎ” ኢሎም።
ምርጫን ቅድመ-ኩነትን ብምንፅር ጀነራል ሳሞራ የኑስ
ጀነራል ሳሞራ ምርጫ ሕገ-መንግስታዊ መሰል ህዝቢ ምዃኑ ብምሕባር፤ ገሊኦም ተወዳደርቲ ውድባት “እዚ እንተዘይተገይሩለይ መረፃ የለን” ምባሎም ግና ፀረ-ሕገ መንግስቲ ከምዝኾነን ፍትሓዊ ከምዘይኮነን ተዛሪቦም። ንሶም ወሲኾም እቲ ዘሎ ጊዚያዊ ምምሕዳር ‘ውን እንተኾነ “ይኣክል! ህዝቢ ትግራይ ብዝመረፆ ይምራሕ” ክብል ከምዘለዎ ዘለዎም ተስፋ ገሊፆም። ኩሎም ፖለቲከኛታት ትግራይ ድማ ምርጫ ከም መደራደሪ ካርድ ምጥቃም ደው ከብሉን ነቲ መስርሕ ክድግፍዎን ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።
ፌደራል ውክልና
ህዝቢ ትግራይ ክሳብ ሕዚ ኣብ ፌደራል መንግስቲ ዘለዎ ውክልና ዝተጓደለ ምዃኑ ዝሓበሩ እቶም ጀነራል፤ ህዝቢ ብዝገብሮ ምርጫ ኣቢሉ ኣብ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን፣ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢን ካልኦት ትካላትን ተወከልቲ ክህልውዎ ከምዝግባእ ኣረዲኦም።
ሰላምን ተሓታትነትን
ህዝቢ ካብ ሰላም ተጠቃማይ ምዃኑ ዝገለፁ ጀነራል ሳሞራ፤ ውሽጣዊ ሰላም ንምርግጋፅ ልዕልነት ሕግን ተሓታትነትን ክሰፍን ከምዝግባእ መኺሮም። “ተሓታትነት እንተሃልዩ ልዕልነት ሕጊ ይረጋገፅ፣ ጉዳይ ተሓታትነት እናጠናኸርና ብዝኸድና ቁፅሪ ድማ ጉዳይ ሰላም እናተጠናኸረ ይኸይድ” ኢሎም።
ደገፍቲ ማሕበራዊ ሚድያን ፅግዕተኛ ሓይልታትን
ኣብ መወዳእታ እቶም ጀነራል፤ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያን ወፃኢ ዓድን ኮይኖም ንትግራይ ዝድግፉ መሲሎም ብደም ትግራይ ድሌቶም ክፍፅሙ ዝደልዩ “ፅግዕተኛ ሓይልታት” ከምዘለዉ ብምጥቃስ፤ ህዝቢ ይኹን ኣመራርሓ እዚ ክርድኦ ከምዝግባእ ኣጠንቂቆም።
“ኣብ ትግራይ ንዝተፈጠሩ ፀገማት ካሊእ በዓል ዋና ምድላይ ጠጠው ክብል ኣለዎ፤ ንባዕልና ንርአይ፣ ውሽጥና ነፅርይ፤ እዚ እንተገይርና ነገራት ክነዐርይ ኢና ዝብል እምነት ኣለኒ” ክብሉ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም።
Follow Us On:
Discover more from Kulu Media ኩሉ ሚድያ
Subscribe to get the latest posts sent to your email.
