Connect with us

News

ዘይተኸምበተ መኸተና ብምውሓስ ዓርሰ ሙርኮሳ ትግራይ ይረጋገፅ – ፕ/ ጌታቸው ረዳ

Kulu Media

Published

on

ዘይተኸምበተ መኸተና ብምውሓስ ዓርሰ ሙርኮሳ ትግራይ ይረጋገፅ-ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ።

ዘይተኸምበተ መኸተና ብምውሓስ ዓርሰ ሙርኮሳ ትግራይ ክረጋገፅ ከምዝግባእ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ ኣገንዚቦም።

ኣብቲ ምዝማን ሕርሻን ምውሓስ ዓርሰ ሙርኮሳ ቁጠባ ትግራይን ኣብ ዝብል ዘተ ዝተረኸቡ ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ዘሎ ኣመራርሓ ኩሉ ኣብ ምውሓስ ረብሓ ህዝቡ ክሰርሕ ፀዊዖም።

ሓላፊ ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ትግራይ ዶ/ር ኢያሱ ኣብርሃ ብወገኖም ኩሉ ዓቕምታትና ወዲብና ሕርሻና ንምዝማን ተዳሊና ኣለና ኢሎም።

ኣብቲ ዘተ ማእቶት ሕርሻ ኣፈፃፅማ መደባት ሕርሻ ኣመልኪቶም ብዕምቆት ይዝትዩ ኣለው። እቲ ዘተ ፅባሕ ዝቕፅል ኮይኑ እቲ ቢሮ ዝሓዞ ትልሚ 2017 ዓ.ም ገምጊሙ ከምዘፅድቕ ሓላፊ እቲ ቢሮ ዶ/ር እያሱ ገሊፆም።

ኣብቲ ዘተ ምዝማን ሕርሻ ትግራይ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ሓዊሱ ጀነራል ታደሰ ወረደን ጀነራል ፃድቃን ገ/ትንሳኤን ካልኦት ኣመራርሓን ተረኺቦም እዮም።


Discover more from Kulu Media ኩሉ ሚድያ

Subscribe to get the latest posts sent to your email.

Discover more from Kulu Media ኩሉ ሚድያ

Subscribe now to keep reading and get access to the full archive.

Continue reading