ትግርኛ
“ውዕል ሰላም ፕሪቶርያ ክትግበር ኣለዎ” – ፕረዝደንት ጌታቸው ረዳ
ኣብ ኢትዮጵያ ኮነ ኣብ ትግራይ ዘላቒ ሰላም ክዓስል እንተኾይኑ ውዕል ሰላም ፕሪቶርያ ምሉእ ብምሉእ ምትግባር ግድን ዝብል ምኻኑ ፕረዝደንት ጌታቸው ረዳ ገሊፆም ።

ሕልሚ ሻምብቖ ብረት ብዘቕህም ዘላቒ ሰላም ኣብ ኢትዮጵያ ይኹን ኣብ መላእ ትግራይ ብዘረጋግፅ ኣገባብ ንክፍፀም ኩሉ ክንገብር ይግባእ ኢሎም ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ።
ፕረዝደንት ጌታቸው ረዳ ሎሚ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣብ ዝዘርግሕዎ ሓበሬታ፣ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ትግራይን ዝተበፀሐ ስምምዕ ምቁራፅ ተፃብኦታት ፕሪቶርያ ክይዲ ትግባረ ብዝምልከት ስትራተጂካዊ ገምጋም የካይድ ምህላው ሓቢሮም ኣለው ።
ፕረዝደንት ጌታቸው ረዳ ከምዝበልዎ ኣብ ኢትዮጵያ ኮነ ኣብ ትግራይ ዘላቒ ሰላም ክዓስል እንተኾይኑ ውዕል ሰላም ፕሪቶርያ ምሉእ ብምሉእ ምትግባር ግድን ከምዝኾነን ሕጋውን ሕገ መንግስታውን ጠለባት ህዝቢ ትግራይ ምሉእ ብምሉእ ንምምላስ ዓሊሙ ብዕቱብ ምግምጋም ከምዘድሊ ሓቢሮም።
ሕልሚ ሻምብቖ ብረት ብዘቕህም ዘላቒ ሰላም ኣብ ኢትዮጵያ ይኹን ኣብ መላእ ትግራይ ብዘረጋግፅ ኣገባብ ንክፍፀም ኩሉ ክንገብር ይግባእ ኢሎም ።

ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ትግራይን ዝተበፀሐ ስምምዕ ምቁራፅ ተፃብኦታት ፕሪቶርያ ኣብ መሬት ከመይ ይፍፀም ከምዘሎ ፣ኣብ ዘካይዶ ስትራተጂካዊ ገምጋም ካብ ክልቲኦም ወገናት ብተወሳኺ ኣባላት ፓነል ሕብረት ኣፍሪካ ተወከልቲ ሕብረት ኣውሮፓ ከምኡ’ውን ተዓዘብቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ሕብረት ኣውሮፖ ፣ኢጋድን ኣሜሪካን ኩነታት ኣተገባብራ ስምምዕ ፕሪቶርያ ዝከታተሉሉ መድረኽ ክኸውን ትፅቢት ይግበር ክብሉ ፕረዝደንት ጌታቸው ረዳ ሓቢሮም ።
Discover more from Kulu Media ኩሉ ሚድያ
Subscribe to get the latest posts sent to your email.