News
ኣይተ ጌታቸው ረዳ ናብ ሕሞራ
ኣይተ ጌታቸዉ ረዳ፣ ተመዛበልቲ ምዕራብ ትግራይ ንምምላስ ኣብዚ ክልተ መዓልቲ ሓዱሽ ምንቅስቓስ ክጅመር ምዃኑ ገሊፁ።
ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚንስትር ንጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪካ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ትማሊ 19 ሓምለ 2017 ዓ/ም ብ “I Can’t Be Silent About Tigray” ወይድማ “ኣብ ዛዕባ ትግራይ ስኽ ኣይብልን” ብዝብል ዝተዳለወ ናይ ዙም መደብ ከምዝገለፆ” ጀነራል ታደሰ ኣብ ጉዳይ ትግራይ ንክሕግዞ ብቅንዕና ተናጊሩኒ እዩ ኣነ ውን ኣብ ጉዳይ ትግራይ ክሳብ ዝሰራሕኻ ዝከኣለኒ ክሰርሕ እየ ኢለዮ” ክብል ዝገለፀ ኣይተ ጌታቸው ረዳ “በዚ ድማ ክሳብ ናብ ምዕራብ ትግራይ ኬደ እቲ ዝርዝር ውን ታደስ ዝፈልጦ እዩ ብሓቂ ኣብ ሑመራ ምስቶም ዝተራኸብኩዎም ሰባት ናይ ተመዛብልቲ ምምላስ ዘጨንቆም ኣይኮነን ምናልባት ዝተወሰኑ ብገበን ቅትለት ፡ ኣብ ስርቂ ዝተሳተፉ ውልቀ ሰባት ክህልው ይክእሉ እዮም ኣብዛሓ ግን ዓንቃፊ ከምዘይኮነ እየ ተረዲአ” ኢሉ።
ተዛማዲ ዛዕባ ፡ ውዕሎ ጌታቸው ረዳ ኣብ ሑመራ
ኣይተ ጌታቸዉ ረዳ ወሲኹ “ከይዲ ተመዛበልትና ንክምለሱ ጀነራል ታደሰን ናይ ስቪክ ማሕበራት ሰባትን ኣነን እንፈልጦ ስራሕ ናብ ባይታ ወሪድና ኢና ምናልባት ኣብዚ ውሽጢ 2ተ መዓልቲ ክትርእይወን ኢኹም። ተን ኣብ ምዕራብ ክስራሓ ዝተወሰና ክስረሓ እየን ኣብዚ ዋሏ ታደሰ እንተንሳሒቡ ምስቶም ናይ ስቪክ ማሕበራት ኮይንና ክንሰርሐን ኢና” ክብል ምላሽ ሂቡ።

ብዛዕባ ስም እተን ስቪክ ማሕበራት ግን ኣይገለፀን።
ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ኣብ ከተማ ሑመራ ዝገበሮ ምብፃሕ “ህዝቢ ትግራይ ደላይ ሰላም እዩ። ህወሓትን ህዝቢ ትግራይ ኣጃምልካ ምርኣይ ፍፁም ጌጋ እዩ” ዝበለ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ሰላም ንምፍጣር ክልተኦም ኣካላት ሓደ ከም ዘይኮኑ ክፍለጥ ኣለዎ። ሕቶ ሰናይ ምምሕዳር ህዝቢ ወልቃይት ግቡእ እዩ። ብሕጋዊ መንገዲ ክርአይ ከም ዘለዎ ድማ ኣገንዚቡ እዩ።
ሕቶ ህዝቢ ወልቃይት ብምርድዳእን ሰለማዊ ብዝኮነ መንገዲ ስርዓቱ ሓልዩ ንክፍታሕ ፌደራል መንግስቲ ሓላፍነት ከምዝወስድን ሕቶ ህዝቢ ሕጊ ተከቲሉ ክፍታሕ ከምዘለዎን ተመዛበልቲ እቲ ከባቢ ናብ መንበሪኡ ዝምለሰሉ መንገዲ ከምዝዘተዩ ምግላፅና ይዝከር።
ነዚ ሰናይ ዝተባህለ ጅማሮ ምምላስ ተመዛበልቲን መደረ ኣይተ ጌታቸዉ ረዳ ስዒቡ ኣብ ዝህቡዎ ዘለዉ ሪኢቶታት; ግዝኣት ትግራይ ንምህጋር ዝግበር ምውዕዓል ክሳብ ዘየለ፣ እቲ ነገር ብኸመይ ንፍትሓዮ ኢልካ ንምልዛብ ምድፋር፣ መወዳእትኡ ብዘየገድስ ፅቡቕ ተበግሶ እዩ። ናይ መንነት ሕቶ ኣሎ ኢሉ ከም ዘይኣምን፥ እንተሃልዩ እውን ዳሕራይ ብሕገ መንግስቲ መሰረት ክልዓል ዝኽእል እዩ ኢልካ ብግልፂ ነቲ ተኣካባይ ምግላፁ ምስ መራሕትን ስቪክ ማሕበራትን ተዋዲድካ ዝስርሑ ዘለዉ ስራሕቲ ምምላስ ተመዛበልቲ ድሕሪ ምንኣድ
ሕዚ ብዕሊ ኣጀንዳ ኾይኑ እቲ ከይዲ ርክክብ ከመይ ይፈፀም ዝብል ናብ ክርክር ይእቶ ኣሎ ማለት እዩ፣ ድልየት ዝተፈላለዩ ሓይልታትን ነበርትን እንታይ ከም ዝኾነ እውን ብዕሊ ንኽፍለጥ ዕድል ዝህብ እዩ” ኢሎም።
ስዓቡና
Discover more from Kulu Media ኩሉ ሚድያ
Subscribe to get the latest posts sent to your email.