Consulting
ሕቶታት ኣፍደገ ባሕሪ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ
ኣብቲ ሎሚ እተኻየደ ስሩዕ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ፡ ንቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ካብ ዝቐረቡሉ ደጋጊሞም ሕቶታት፡ ጉዳያት መገዲ ወደብ ባሕርን ቀይሕ ባሕርን ይርከብዎም። ጉዳይ ቀይሕ ባሕሪ፡ ነቶም ቀዳማይ ሚኒስተር ሕቶ ንምቕራብ ዕድል ካብ ዝረኸቡ 19 ኣባላት ፓርላማ፡ ብኣርባዕተኦም ተላዒሉ።
እቲ ጉዳይ ምስ ኤርትራ ኣብ ዘሎ ዝምድና ብኸመይ ከም ዝርአ ዝሓተቱ ክልተ ኣባላት እቲ ገዛኢ ፓርቲ ብልጽግና፡ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ተመሳሳሊ መድረኽ ብዛዕባ እታ ሃገር ክዝረብ ከሎ ካብ ዝነበረ ኣዘራርባ ብዝተፈልየ፡ ነቲ ገዛኢ ፓርቲ ኤርትራ “ሻዕብያ” ብዝብል ስያመ ክጽውዕዎ ተሰሚዖም። ሓደ ካብኣቶም ኣባል እቲ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ወጻእን ሰላምን ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ዶ/ር ቶፊቕ ዓብዱላሂ፡ ሻዕብያ “ጸረ ሰላም ሓይሊ” እዩ ኢሎም።
“እቲ ጉጅለ ሻዕብያ፡ ነቲ ፍትሓዊ ሕቶ ኢትዮጵያ ንምዝባዕ፡ ናይ ሓሶት ፕሮፖጋንዳ ዝነዝሑን ዘመሓላልፉን ሓይልታት ኣዋፊሩ ኣሎ። ኣብ ሃገርና ግጭታት ንኽጋደድ ብዕቱብ ካብ ምስራሕ ጀሚሩ፡ ዝተፈላለየ ኣፍራሲ ፈተነታት ይገብር ኣሎ” ክብሉ ዶ/ር ቶፊቕ ወቒሶም። እቶም ኣባል ፓርላማ፡ ነቲ “ልኡላውነት ሃገር ዝጥሕስ” ዝበልዎ “እኩይ ተግባር ሻዕብያ”ን “ተግባር ሽበራ”ን፡ ማሕበረሰብ ዓለም ንኽፈልጦ ብወገን መንግስቲ ዝስርሑ ዘለዉ ስራሓት ብዝምልከት መብርሂ ሓቲቶም።
ኣብ ክልል ምርጫ ዓለም ጤና ወኪል ፓርላማ ፓርቲ ብልጽግና ዝኾኑ ኣቶ ጫላ ለሚ ብወገኖም፡ ነቲ “ካብ ሕግን ስርዓትን ብዝወጸ መገዲ” ይንቀሳቐስ ዝበልዎ ጉጅለ ህወሓት፡ ምስ ሻዕብያ ብምትሕብባር ንጦርነት ይዳሎ ምህላዉ ብምጥቃስ ነቒፎም። “ገለ ሓበሬታታት ከም ዘመልክትዎ፡ እቲ ናይ ኣረጋውያን ጉጅለ ህወሓት፡ ምስ ሓይልታት ሻዕብያ ግንባር ፈጢሮም ንጥፍኣት ይንቀሳቐሱ ምህላዎም ይሰማዕ። ስለዚ፡ ነቲ ልኡላውነትና ዝዳፈር ምንቅስቓስ ሻዕብያ ንምዕጋት ዝስርሑ ዘለዉ ስራሓት ኣብ ምንታይ ደረጃ ከም ዝርከቡ መብርሂ እንተ ዝህቡ” ክብሉ ንቀዳማይ ሚኒስተር ሕቶ ኣቕሪቦም።
ንተቓዋሚ ሃገራዊ ምንቅስቓስ ኣምሓራ (ኣብን) ወኪሎም ኣባል ፓርላማ ዝኾኑ ዶ/ር ደሳለኝ ጫኔ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ጉዳይ ምምላስ ቀይሕ ባሕሪ “ከም ጉዳይ ህልውና” ምቕራቡ ብዝምልከት ርእይቶኦምን ሕቶኦምን ኣቕሪቦም። መንግስቲ ኢትዮጵያ “ዋና ኣቓልቦኡ”ን “ፖለቲካዊ ጉልበቱን”፡ ህጹጻት ውሽጣዊ ቅልውላዋት ካብ ምፍታሕ ይልቅስ፡ ኣብ ጉዳይ ወጻኢ ከም ዘዕርፍ ምግባሩ፡ ” ‘ኣቓልቦ ህዝቢ ንምቕያር እተገብረ ጻዕሪ እዩ’ ዝብል ርእይቶ ክወሃብ ገይሩ እዩ” ኢሎም እቶም ኣባል ፓርላማ።
“ኣብታ ሃገር ካብ ዘሎ ክብደት ውሽጣዊ ጸገማት ኣንጻር፡ መንግስቲ ነዚ ልዑል ፖለቲካዊ ዓቕሚ ንግዳማዊ ሸቶን ዕላማን ካብ ምውዓል ይልቅስ፡ ተመሳሳሊ ጉልበትን ክብደትን፡ ነቶም ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ጸገማት ንምፍታሕን ምስ ገዛእ ርእሱ ዜጋታት ዘላቒ ሰላም ንምምጻእን ስለምንታይ ዘይጥቀመሉ?” ክብሉ እውን ዶ/ር ደሳለኝ ሓቲቶም።
“ሃገራዊ ረብሓ ንምኽባር ዝግበር ዝኾነ ይኹን ዓይነት ዲፕሎማስያዊ ጻዕሪ ብብሕተይ እቕበሎ እየ” ዝበሉ እቶም ኣባል ፓርላማ፡ “መንግስቲ ነቲ ጉዳይ ዝመርሓሉ ዘሎ መገዲ ግን፡ ዓሰርተ ደስቲ ተኺሉ ሓንቲ እኳ ከየማሰለ ከም ዘሕርራ ዓይነት እዩ” ክብሉ ነቒፎም።
Discover more from Kulu Media ኩሉ ሚድያ
Subscribe to get the latest posts sent to your email.