Connect with us

News

“ህዝቢ ትገራይ በቃ ክብሎም ይግባእ” ጀነራል ፃድቃን

Kulu Media

Published

on

“ህዝቢ ትግራይ ሓድነቱ ንምፍራስ ብቁሸትን ከባብን ክኸፋፍልዎ ንዝደልዩ ኣካላት ወጊድ ክብሎም ይግባእ” ሌ/ጀነራል ፃድቃን ገ/ትንሳኤ።

ህዝቢ ትግራይ ሓድነቱ ንምፍራስ ብቁሸትን ከባብን ክኸፋፍልዎ ንዝደልዩ ኣካላት ወጊድ ክብሎም ከምዝግባእ ምክትል ፕሬዚደንትን ካብኔ ሴክሬታሪያት ዴሞክራታይዜሽንን ዘይምእኹል ምሕደራን ሌ/ ጀነራል ፃድቃን ገብረትንሳኤ ተዛሪቦም።

ሌ/ ጀነራል ፃድቃን ገብረትንሳኤ ነዙይ ዝበሉ ኣብ ወረዳ ስቡሓ ሳዕሲዕ ከተማ ዕዳጋ ሓሙስ በዓል መስቀል 2017 ዓ/ም ሎሚ ብድምቀት ኣብ ዝተኸበረሉ እዩ።

ህዝቢ ወረዳ ስቡሓ ሳዕሲዕን ከባቢኡን ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ንኽጥጥዕን ንኽዕወትን ሕጓ ገድሊ ካብ ምዃን ብተወሳኺ ብዙሓት ጀጋኑ ብምፍራይ ናይ ባዕሉ ዓሸራ ጅግንነት ዘንበረ ህዝቢ ምዃኑ ገሊፆም።

ህዝቢ ትግራይ ካብቲ ገጢምዎ ዘሎ ፀገም ንክወፅእ ኣብ ዝግበር ዘሎ ከይዲ ሓድነቱ ከስጥም ከም ዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።

“ሓድነትና ክነጠናኽር ክንደማመፅ፣ክንመኻኸርን ክንከባበርን ይግባእ መሰልና ኣኽቢርና ሰላምና ንሓሉ ” ዝበሉ ጀነራል ፃድቃን ገ/ትንሳኤ “ሰላምናን ሓድነትናን ክዘርጉ ንዝደልዩ ኣካላት ድማ ሰላም ኢና ንደሊ ክንብሎም ይግባእ ” ኢሎም።

“ኣፈላላይና ብስልጡን ኣገባብ ፈቲሕና ሓድነትና፣ ሰላምናን ምሕደራናን እንተመዓራሪና ድማ ዘይንፈትሖን ዘይንሰግሮን ፀገም የለን” ክብሉ ጀነራል ፃድቃን ተዛሪቦም።

እቲ በዓል “ክብርታት በዓል መስቀል ንሓድነትን ንብሩህ መፃኢ ትግራይን” ብዝብል መሪሕ ቃል እዩ ዝኽበር ዘሎ።

ኣብቲ ብምትሕብባር ቴሌቪዥን ትግራይን ሶልቴክ ኢቨንትስን ተዳልዩ ሎሚ ዝተኻየደ ፅንብል በዓል መስቀል ሓላፊ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ዶ/ር ኣፅበሃ ገ/እግዚኣብሔር፣ ኣማሓዳሪ ዞባ ምብራቕ ኣይተ ሹሻይ መረሳን ካብ ላዕለዋይ ኣመራርሓ ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ ጀነራል ጉዕሽ ገብረ ሓዊሱ ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍትን ዓበይቲ ዓድን ተረኺቦም እዮም ከም ፀብፃብ ኤመሓት።


Discover more from Kulu Media ኩሉ ሚድያ

Subscribe to get the latest posts sent to your email.

Discover more from Kulu Media ኩሉ ሚድያ

Subscribe now to keep reading and get access to the full archive.

Continue reading